- ቲግሪንያ
- ስራሕን ፋይናንስን
- ኣካውንትን ክፍሊት
ኣካውንትን ክፍሊት
ኣብ ስዊዘርላንድን ርእሰ ምምሕዳር ሊኽተንሽታይንን ብፍራንክ ስዊዘርላንድ ኢኻ እትኸፍል። ኣብ መዓልታዊ ናብራ ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ባንክ ሕሳብ ጠቓሚ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ኣድላዪ እዩ።
ዳርጋ ኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ሰባት ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብ ኣለዎም። እቲ ሕሳብ ደሞዝ ክራይ ገዛ ወጻኢታትን መዓልታዊ ምዕዳግን ንምኽፋል የገልግል።
ናይ ስዊዘርላንድ ባንክ ወይ ናይ ጶስጣ ሕሳብ ከተመልክት እንተ ደሊኻ ብቐጥታ ናብ ባንክ ወይ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ኪድ።
ሕሳብ ኣብ ስዊዘርላንድ ባንክ
ባንክታት ሓድሽ መስኮት እንታይ ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ከም ዝቕበሉ ባዕሎም ክውስኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝበለጸ ነገር ሕሳብ ከተመልክት ትኽእል እንተ ዄንካን እንታይ ሰነዳት ከም ዜድልየካን ንምፍላጥ ምስ ባንክ ምምርማር እዩ።
ሕሳብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ
ፖስትፋይናንስ ሓድሽ መስኮት ኩሎም ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ሕሳብ ክሓትቱ ይፈቅድ እዩ። ነዚ ንምግባር ብኣካል ናብ ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፖስትፋይናንስ ክትከይድ ኣሎካ።
ሕሳብ ንምኽፋት ፓስፖርትካ (ወይ ናይ መንነት ካርድ) ከምኡውን ናይ ወጻእተኛ መንነት ካርድ ሒዝካ ምጻእ።
ሜላታት ክፍሊት
ብጥረ ገንዘብ ብባንክ ወይ ብፖስት ካርድ ከምኡውን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብክረዲት ካርድ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።
ባንክታት ብኢንተርነት (ኤለክትሮኒካዊ ባንክ) ናይ ክፍሊት ልውውጥ ናይ ምድላው ኣጋጣሚ ይህባ።
