ምስትውዓል
ብዛዕባ ጥዕናኻ ምስ ሰብ ሞያ ኽትዘራረብ ከለኻ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኪዓዪ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ናይ ቋንቋ ክእለት እኹል እንተ ዘይኰይኑ ናይ ምትሕንፋጽ ባህልታት ተርጓሚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ኣብ መንጎ ባህልታት ዚርከቡ ተርጐምቲ ንትሕዝቶ እቲ ምስ ሓደ ኽኢላ ዚግበር ዝርርብ ብኣፍ ይትርጕሙልካ እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ዘይምርድዳእ ይንኪ እዩ ። ብፍላይ ብዛዕባ ጥዕና ብዚምልከት ሞያ ምትርጓም ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ጥራይ እዮም ኣዝማድ ወይ ዚፈልጥዎ ሰባት ኪትርጐሙ ዘለዎም ።
ብዙሓት ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ማሕበራዊ ትካላትን ብናጻ ምትሕንፋጽ ባህልታት ይህባ።
ናይ ርክብ ነጥብታት
ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ርክብ ቦታ ምእንቲ ከነርእየካ ፖስትኮድካ ኣእቱ።
